ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ሎሚ መዓል ፍሉይ ሓበራዊ ኣኼባ ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ኣቢያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ፍሉይ ሓበራዊ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲ ከካይድ ኢዩ፡፡

እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ኣብ ዘካይዱዎ ፍሉይ ኣኼባ÷ ቃለ ጉባኤ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ሓበራዊ መኽፈቲ ኣኼባ መርሚሩ ብምፅዳቕ ከምዝጅምር ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብና ሐበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝንበር ታክሲ ሕቶ በዓል ዋናነት ኣመልኪቱ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ኣብ ቤት ምኽሮ ፌዴሬሽን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ድጎማ በጀትን ሓበራዊ እቶትን ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ከምዘፅድቕ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment