ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሎጂስቲክስን ትራንስፖርትን ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝተዓደጋ ክልተ ዘበናዊ ጀልባታት ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ይጎዓዓዛ ኣለዋ።
እቲ ሸሓንቲ “ጣና ነሽ – ሁለት” ዝብል ስያመ ዘለዋ እንትትከውን፥ ንኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ እትውዕል ከምዝኾነት ተገሊፁ።
38 ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዋን 188 ሰባት ብሓደ ጊዘ ናይ ምስፋር ዓቕሚ ከምዘለዋን ድማ ተሓቢሩ።
እታ ካልአይቲ ድማ ዘበናዊት መጎዓዓዚት ሰብ ከምዝኾነት ኣብ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።