ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ብዘበለፀ ኣጠናኺርካ ንኽቕፅል ዝዓለመ ምይይጥ ተገይሩ፡፡

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ጉጅለ ምሕዝነት ኢትዮ-ፈረንሳይ ምስ ጉጅለ ምሕዝነት ቀርኒ ኣፍሪካ ፓርላማ ፈረንሳይ ተዛቲዩ፡፡

ዋና ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ጉጅለ ምሕዝነት ኢትዮ-ፈረንሳይ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩለመዳይ ዓቕሚ ዜጋታ ዘጎልብቱ ዝተፈላለዩ ናይ መመሓየሺ ስራሕቲ እናሰርሐት ከምትርከብ ብምግላፅ÷ እቲ መመሓየሺ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ንኽወቅዕ ፈተውቲ ሃገራት ምትሕብባር ንኽገብራ ሓቲቶም፡፡

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን መላእ ዓለምን ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ራዕዳውያን ኣብ ምውጋእ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ፈረንሳይን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ጠጠው ከም ትብል ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት፡፡

መራሒ ጉጅለ ፓርላማ ፈረንሳይ ምሕዝነት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾኑ ሴናተር ሁግ ሳሪ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ንፈረንሳይ ታሪኻኻ መሓዛ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ መላእ ኣፍሪካን ራዕዳውያን ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምትሰርሕ እውን ገሊፆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment