ክልል ጋምቤላ ልዕሊ 966 ኪሎ ግራም ወርቂ ንብሄራዊ ባንኪ ልኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ትሻዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 966 ኪሎ ግራም ወርቂ ንብሄራዊ ባንኪ ከምዝለኣኸ ኤጀንሲ ልምዓት ኢነርጅን ማዕድንን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ኣኳታ ቻም÷ እቲ ንብሄራዊ ባንኪ ዝተለኣኸ ወርቂ ኣብ ወረዳታት እቲ ክልል ዲማ፣ ኣቦቦ፣ ጋምቤላን መንጌሽን ብዘለዉ ባህላዊ ወርቂ ኣውፃእቲ ዝፈረየ እዩ፡፡

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ሓለፋ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ “እዚ ድማ እቲ ፍርያት ብንግዲ ኮንትሮባንድ ንከይባኽን ንምቁፅፃር ብዝተገበረ ፃዕሪ ዝተረኸበ ውፅኢት እዩ” ኢለን፡፡

ኣብ ቀፃሊ ንምክልኻል ንግዲ ኮንትሮባንድ ዝግበር ቁፅፅር ብምጥንኻር ኣብቲ በጀት ዓመት 1 ሽሕን 600 ኪሎ ግራም ወርቂ ንብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ንምግባር ተተሊሙ ይስራሕ ምህላዉ ዋና ዳሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ኣኳታ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment