ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ተፈጻሚ ኮይኑ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ድጋፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ተፈጻሚ ኮይኑ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ድጋፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣመልኪቱ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

እቲ መግለፂ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህወሓትን ክልተ ዓመታት ዘቑፀረ ኲናት÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ሀገርና ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ፣ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ኢሉ፡፡

ኲናት ጎዳእን ዘየድልን ምዃኑ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ህዝብታት ዝግበር ኲናት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቅልቅላው ካብ ምፍጣሩ ንላዕሊ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ቅርሕንቲ ዝፈጥር መሊስካ ንምፅጋን ግዘ ዝወስድ ከምዝኾነ ብምርዳእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ብተኸታታሊ ድምፃ ክተስምዕ ፀኒሓ እያ፡፡

ብሕብረት ኣፍሪካ ኲናት ደው ኢሉ ሰላም ንኽወርድ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ልዕሊ ኹሉ ኣብ ፀገም ንዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሰላምን ተስፋኦምን ክዕንብብ ዝገብር እዩ፡፡

ክልላዊ መንግስቲ ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ÷ ዝተፈጠረ ስምምዕነት ሰላም ተፈፃሚ ንክኸውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ እጃሙ ክዋፃእ ሓቲቱ።

“ብኲናት ዝተጎድኡ ወገናት ግቡእ ሰብኣዊ ድጋፍ ንኽረኽቡ ካብ ምግባር ጀሚሩ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና” ክብል እቲ ክልል ዘለዎ ድሉውነት ኣብ መግለፂኡ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment