ክልል ኦሮሚያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝዕድጎ ፍሪያት ስርናይ ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝዕድጎ ፍሪያት ስርናይ ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ይሰርሕ ምህላዊ ገሊፁ።

በዚ ድማ ንዕድጊት ስርናይ ዝወፅእ ዝነበረ ዓመታዊ ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ንምድሓን ክካኣል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ትልሚ ንምዕዋት ሎሚ ዘበን ኣብቲ ክልል ልዕሊ 300 ሺሕ ሄክታር መሬት ብክላስተርን መስኖን ይለምዕ ኣሎ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ክላስተር ኦሮሚያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፥ ክልል ኦሮሚያ ድልየት ስርናይ ውሽጢ ዓዲ ንምምላእ እንትሰርሕ ከም ሃገር ብምግቢ ዓርስና ካብ ምኽኣል ሓሊፍና ካልኦት ሃገራት ምምግባብ ከምእንኽእል ምርኣይ ንኽእል ኢና ኢሎም።

ሕርሻ እቲ ክልል ዘበናዊ ንምግባር መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 700 ትራክተራት፣ ልዕሊ 4 ሺሕ ፓምፕታት ማይ፣ ልዕሊ 80 ኮምባይነራት ንሓረስቶት ምቕራቡ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment