ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኦሮሚያ ልክዕ ከምቀደሙ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ብምዃን ሉእላውነት ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣድላዪ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዊ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።
እቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ከነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ እቲ ግብረ ራዕዲ ምስ ታሪካዊ ፀላእትና ዝተውሃቦ ልኡኽ ዕላዊ ንምግባር ኢትዮጵያዊያን ብብሄርን ሃይማኖትን ብምክፍፋል ከባልዕ ፀኒሑ ኢዩ ኢሉ።
ንዘበናት ዝፀንሐ ምክእኣልን ሃገራዊ ሓድነትን ንምሽርሻር ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን ክብል ሓቢሩ።
ይኹን እንበር ስርሒት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝቢ ዝተኣሳሰረሉ ክብሪን ሸርሒ ፍሰት ብምፅዋር እቲ ጉጅለ ዝወነኖ ስርዓት ከፋፊልካ ግዛእ ከምዝደርበዮ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ነፃነት፣ ሓድነት፣ ሕውነትን ህብረ ብሄራዊ ሓቀድነትን ዕላዊ ንክኸውን ከምዝገበረ ተዛሪቡ።
ዘይፍትሓውነትን ልዕልነትን ዝለመደ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ማዕርነት ከምበደል ብምሕሳብ እንቢብምባል ኢትዮጵያ ንምፍራስ ክሳብ ሲኦል ከምዝጓዓዝ ግልፂ ብምግባር ባንዳነቱ ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።
ካብ ጎንፂን ኲናትን ወፃእ ምንባር ዘይኽእል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ኢድ ሰላም ኣይቅበልን ብምባል ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ኣምሓራን ዝፍፅሞ ዘሎ ወራር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ከምዘውግዝ ገሊፁ።
ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ብምዃን ሉእላውነት ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣድላዪ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዊ ከምዝኾነ ድማ ኣረጋጊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።