ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ብሰለማዎ መገዲ ኢዶም ንመንግስቲ ንክህቡ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፥ ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ብሰለማዎ መገዲ ኢዶም ንመንግስቲ ብምሃብ ሰለማዊ ህይወት ንክመርሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል መንገሻ ፋንታው (ዶ/ር)፥ እቶም ዕጡቓት ሓይሊታት ፀገም ፀፅታ ብምፍጣር ኣብቲ ክልል ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ከምዘብፅሑ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ብሓባር ብመሰረት ዝገበርዎ ቃልሲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብተነፃፃሪ ሰላም ምንጋስ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ቃልሲ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ መንገስቲን ህዝብን ከብፅሖ ዝሓሰቦ ናይ ጥፍኣት ተግባር ኣብዚ ሐዚ እዋን ይፈሽል ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መንግስቲ እቲ ክልል ምፍሳስ ደም ንምትራፍን ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕን ንክከኣል ዕድል ሰላም ንክፍጠር ወሲኑ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ንመንግስቲ ብምሃብ ሰለማዊ ህይወት ንክመርሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

በቢከባቢኡ ዘለዉ ኣመራርሓ ወረዳን ዞባን ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ዝህቡ ዕጡቓት ሓይሊታት ብሰላም ክቕበሉ ከመዝግበኦም ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment