ክልል ትግራይ ንምርግጋእን መሊስካ ንምጥያሽን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣመራርሓታት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ክልል ትግራይ ንምርግጋእን መሊስካ ንምጥያሽን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣመራርሓታት መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ተኻይዱ።

ብዙሓት ኣመራርሓታት÷ ብልዑል ቆራፅነት ናይ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል ሓዊሱ ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም መዕለቢ ንኽረክብ እናተንቀሳቐሱ ከምዝፀንሑ ተመልኪቱ፡፡

ዝበፅሐ ጉድኣት ብቕልጡፍ ንኽድሕን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክበፅሕ፣ ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎት ከይተኣጓጎሉዎ ከምኡ እውን እቲ ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝፍረም ንደሓር ናብ ስራሕ ክእቶ ብምግባር÷ ብዙሓት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ንዝተፈጠረ ሰላም ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ እውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ፡፡

ኣፈጻፅማ ልኡኽቶን ሓፈሻዊ ፃንሒትን ብወገን ኣላማጣን ሽረን ልኡኽ ወሲዶም ብዝኸዱ ኣመራርሓታት ሓፂር ፀብፃብ ቀሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ ከድሕን ዝኸኣለ፣ ሓድነት ህዝቢታት ክሕሉ ዝኸኣለ፣ ንህዝቢ ካብ መከራ ከድሕን ዝኸኣለ ዛንታ ብተሳተፍቲ ኣመራርሓታት ከምዝተፈፀመ ምሕባሩ ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ልኡኽቶ ወሲዶምንዝኸዱ ኣካላት ምስጋና ዘቕረቡ እንትኾኑ÷ “ዝተውሃበኩም ልኡኽቶ ተቐቢልኩም ዘመዝገብኩምዎ ውፅት ሃገርኩምን ፓርቲኹምን ንምሕጋዝ ራፅነትኩም ከምኡ እውን ድልዋት ምዃንኩም ኣርኢኹም” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment