ክልል ትግራይ ናብ ዘየድሊ ቅልውላውን ኲናትን ንከይኣቱ ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ክልል ትግራይ ናብ ዘየድሊ ቅልውላውን ኲናትን ንከይኣቱ ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ትግራይ ናብ ዘየድሊ ቅልውላውን ኲናትን ንምእታው ኣብቲ ክልል ተቐባልነት ዝሰኣነ ኣንጃ ህወሓት ካብ ተግባሩ ክቑጠብ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ጠመተ ብምግባር ንጋዚጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ናብ ዘየድሊ ቅልውላውን ኲናትን ንምእታው ዝፍትን ኣብቲ ክልል ተቐባልነት ሕጊ ዝሰኣነ ኣንጃ ህወሓት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብቦርድ ምርጫ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ እቲ ኣንጃ ጉባኤ ገይረ ኢየ ብዝብል ሰበብ ዝተወሰኑ ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ሓለፍቲ ሓይሊ ፀፅታ ብምሓዝ ፀገም ይፈጥር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ኣንጃ ኣብ ቀበሌ፣ ወረዳን ዞባን ናይ ትካላት ማሕተም ብዘይሕጋዊ መገዲ እናመንዘዐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ሐዚ ብዘለዎ ኩነታት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ንመንግስቲ ፌዴራል ጣልቃ ንክኣቱ ዘቕረቦ ዕላዊ ሕቶ ዘየምህላዉ ኣገንዚቦም።

ክልል ትግራይ ዳግማይ ናብ ኲናት ንከይኣቱ ኢዩ ድልየተይ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ነዚ እውን መንግስቲ ፌዴራል ትፅቢት ዝግበረሉ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

በፍላይ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ብኹሉ ወገን ንክትግበር ንክሰርሕ ኣፅንኦት ሂቦም።

መንግስቲ ፌዴራል እቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ብመሰረት እቲ ኣሰራርሓ ጣልቃ ምእታው ከምዝኽአል ሓቢሮም።

ሐዚ እውን ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሰራዊት ከምዘሎ ብምሕባር፥ ይኹን እንበር ፀገም እናፈጠሩ ዘለዉ ኣብቲ ክልል ተቐባልነት ዝሰኣነ ኣንጃ ህወሓት ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ዝተወሰኑ ሓለፍቲ ሓይሊ ፀፅታ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ክልል ናብ ዘየድሊ ቅልውላውን ኲናትን ንምእታው ዝፍትን ኣንጃ ህወሓት ካብ ተግባሩ ክቑጠብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ተግባር ደው ንምባል ሀዝቢ እቲ ክልል፣ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ግደኦም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment