ክልል ትግራይ መሊስካ ኣብ ምውዳብ ከይዲ ምትሕብባር ኩሎም ኢትዮጵያውያን የድሊ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ክልል ትግራይ መሊስካ ኣብ ምውዳብ ከይዲ ምትሕብባር ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዘድሊ ገሊፀን፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዑደት ኣካይን፡፡

ኣብ ዑደተን ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር፣ ማእኸል መኽዚን እኽሊ መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ተመዛበልቲን ዑደት ገይረን፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ከተማ መቐለ እውን ተዛቲየን፡፡

እቶም ዓበይቲ ዓዲ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝተስፋሕፈሐ ፀገም ስእነት ስራሕ ንኸፍታሕ፣ ካብ ቢሮታት መንግስቲ ዝተዘረፉ ኣቑሑት ተማሊኦም ብዝተጠናኸረ መልክዑ ስራሕ ንኽጅመሩ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንሰላምን ጥዕናን ቅድሚት ተገይሩ ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

መንግስቲ እናቕረቦ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን እቶም ዓበይቲ ዓዲ ሓቲቶም፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዘሃበኦ ምላሽ፥ ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ሰላማ ንምምላስ መንግስቲ ብቆራፅነት እናሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡

ክልል ትግራይ መሊስካ ኣብ ምውዳብ ከይዲ ምትሕብባር ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዘድሊ እተን ፕሬዚዳንት ኣተሓሳሲበን፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ መንግስቲን ህዝቢን ሓቢሩ ዝነብረሉን ዝተሓጋገዘሉን ስርዓት ኣብ ምህናፅ ከምዝርከብ እውን ተዛሪበን፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መቐለ ዝገበረኦ ዑደት ብምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሰን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment