ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ንሰራዊት ምክልኻልን ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ንሰራዊት ምክልኻልን ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን 19 ሚሊየን 292 ሺሕ ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣታዊ ምግባሩ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት እቲ ክልል ገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣካቢ አቲ ኮሚቴን ኣይተ ኢሳሃቅ ዓብዱልቃድር፥ ልዕሊ 34 ሚሊየን 216 ሺሕ ገንዘብ ንሰራዊት ምክልኻልን ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ዝኸውን ሓገዝ ምእካቡ ኣፍሊጦም።

እቲ ኮሚቴ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ልዝብ፥ 1 ሺሕን 609 መናእሰይን ተመለስቲ ሰራዊትን  ናብ ሰራዊት ምክልኻል ንምፅምባር ከምዝተመዝገቡ ተገሊፁ።

ኣብቲ ክልል ውዳበ ፀፅታ ንምጥንኻር ኣብቲ ክልል 530 ምልምል ፍሉይ ሓይሊ ናብ ስልጠና ክኣትዉ ተገይሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማን ዞባን ኣሶሳ ጥራሕ 1 ሚሊየን 95 ሺሕን 376 ብር ዝግመት 64 ኩንታል ደረቕ ስንቂ ንሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊን ከምዝተሰናደአ እውን ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊን ዝኾና 47 ኣጣል፣ 26 ኣባጊዕ፣ 7 ናይ ማሕረድ ከፍቲ ከምዝተኣከበ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment