ክልል ሶማሌ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ምንም ዓይነት ተሳትፎ ፖለቲካ ዘይብሎም ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ብረሃፆም ዝሓድሩ ዜጋታት ብምጥቃዕ ሃገርን ህዝብን ናብ ምትርማስ ንምእታው ተዋዲዶም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ጥፍኣት ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ንክሕሎ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝቃለስ ሓቢሩ።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ንክቕፅልን ሕብረተሰብ እውን ኣድላዪ ሓገዝ ንክገብርን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ንቤተሰብ እቶም ግዳያትን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ብተመሳሳሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝበፅሐ ሕልፈት ህይወትን ጉድኣት ኣካልን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ዝጀመሮ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅልን ሕብረተሰብ እውን ኣድላዪ ሓገዝ ክገብርን ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎም ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment