ክልል ሲዳማ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል 20 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል 20 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ሉኡኾምን ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ኣረኪቦም።

ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ ክልል ሶማሌ ብዘለዎ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣን ዓቕሚ ምልማዕን መሰረት ምዕባለን ዋልታን ቀፃሊ ኢትዮጵያ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም፡፡

ብዘጋጠመ ድርቂ ዝብፅሐ ጉድኣት ንምንካይ ምንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ እውን ንኢዶም።

ስለዝኾነ ድማ ክልል ሲዳማ ንመንግስቲን ህዝቢን ክልል ሶማሌ ንምድጋፍ ዘኽእል 20 ሚሊየን ብር ሓገዝ ምግባሮም ገሊፆም።

ርአሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ ብዝተገበረ ሓገዝ ብሽም መንግስቲን ህዝቢን እቲ ክልል ምስጋና ምቕራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment