ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ትካላትን ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 91 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ትካላትን ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 91 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ሓገዝ ገይሮም።

ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 77 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ርእሰ መምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ ተዛሪቦም፡፡

ህዝቢ እቲ ክልል ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል 1 ሺሕን 198 ሰንጋታት፣ 108 ኣባጊዕን ኣጣልን፣ 60 ኪሎ ግራም ደረቕ ምግቢ፣ 164 ኪሎ ግራም ጠስሚ፣ 410 ነጥቢ 5 ኪሎ ግራም እኽሊን ሓዊሱ ብዓይነትን ብጥረ ገንዘብን ብሓፈሻ 77 ነጥቢ 5 ግምታዋ ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ግምባር ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት እውን ልዕሊ 1 ሺሕን 260 ሊትሮ ደም ከምዝተኣከበ እቶም ርእሰ መምሕዳር ገሊፆም።

በተመሳሳሊ ዜና ማሕበረሰብ ትምህርቲ ከተማ ጅማ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 12 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሮም፡፡

ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ፣ ትካላት ሃይማኖትን ትካል ባህላዊ ምርምር እፅዋት ደሸትን እውን ልዕሊ 2 ሚሊየን ዝግመት ብር ሓገዝ ዓይነትን ገንዘብን ኣበርኪቶም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ “ደምና ንሰራዊት ምክልኻል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሰራዊት ምክልኻል ልገሳ ደም ከምዘካየዱ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብወርቅኣፈራው ያለው፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻልን ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት ዞባ ካፋ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment