ክልላዊ ሰልጠና ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላዊ ሰልጠና ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ምክያድ ጀሚሩ።

ስልጠናው በኦሮሚያ ክልል ጅማ ከተማን ጨምሮ በሰንዳፋ ፣ አዳማ እና ባቱ መካሄድ ጀምሯል።

እቲ ሰልጠና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጅማ፣ ሰንዳፋ፣ ኣዳማን ባቱን ይሳለጥ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 14 ማእኸላት ክልል ደቡብ እውን እቲ ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሰልጣና ዝወሃበሎም ዘለዉ ማእኸላት ድማ፥ ቦንጋ፣ ተርጫ፣ ጂንካ፣ ሳውላ፣ ኣርባምንጭ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ሆሳእና፣ ዎራቤ፣ ወልቂጤ፣ ዱራሜ፣ ሃላባ፣ ዲላን ሃዋሳን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዘለዉ ማእኸላየን ጀማሪን ኣመራርሓ እቲ ሰልጠና ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ፥ ኣብ ከተማ ባህር ዳር፣ ጎንደር፣ ደሴ፣ ኮምቦልቻ፣ ደብረ ብርሃንን ደብረ ታቦርን ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን ኣብቲ ስልጠና በድምር ኣስታት 10 ሺሕ ዝኾኑ ኣመራርሓ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ መዓልታት ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ቀንዲ ትኹረቱ፥ ኣተሓሳስባታት ምድማርን ትሕዝቶን እንታይነትን መሰረታዊ ኣተሓሳስባታት ፓርቲ ብልፅግናን ኢዩ ተባሂሉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment