ክልላት ደቡብ፣ ሶማሌን ዓፋርን ደገፍ ንዝደሊዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝውዕል 53 ሚሊየን ብርን ናውቲን ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ደቡብ፣ ሶማሌን ዓፋርን ደገፍ ንዝደሊዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝውዕል 53 ሚሊየን ብርን ናውቲን ደገፍ ገይሮም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ኣብ ቀዳማይ ዙር ካብ ዝገበሮ ደገፍ ብተወሳኺ 20 ሚሊየን ብርን 2 ኣምቡላንሳትን ደገፍ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ድሙቕ ታሪክ ብምፅሓፍ ዝሓለፉ ጀጋኑ ምፍጣር ዝኸኣለ ብምዃኑ ክብሪ  ይግበኦ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ቅድመ ሐዚ ዝተፈጠረ ዝሓለፈ ታሪክ ብምግዳፍ ህዝቢ እቲ ክልል ናብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብ ምዕባይ ትኹረት ክግበር ይግባእ እውን ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ እግሪ ንምትካል ዝተጀመረ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ መንግስቲን ህዝብን ክልል ዓፋር 13 ሚሊየን ብር፣ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎ መድሓኒትን ሓንቲ ኣምቡላንሰን ድጋፍ ገይሮም።

መንግስቲን ህዝብን ክልል ሶማሌ እውን 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ነቲ ደገፍ ዝተረከቡ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ መንግስቲን ህዝብን እተን ክልላት ንዝገበርዎ ደገፍ አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment