ክልላት ዝተመጣጠነ ዕቤት ንኽህልወን ጥንኩር ስርዓት ምሕደራ ሓበራዊ ኣታዊ የድሊ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ዝተመጣጠነ ዕቤት ንኽህሉ ክፍፍል ኣታዊን ምምሕልላፍ ስልሒትን ግልፂን ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሸገር ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን÷ ምሕደራ ሓበራዊ ኣታዊ ክፍፍልን ምምሕልላፍን ብዝምልከት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይዝቲ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ክልላት ማዕረ ወይ እውን ዝተመጣጠነ ዕቤት ንኽህልወን ጥንኩር ስርዓት ምሕደራ ሓበራዊ ኣታዊ የድሊ።

ብፍላይ ምሕደራ ኣታዊ መዓድንን ዓበይቲ ሃፍቲታትን ንኹሉ ተረባሕቲ ብዝገብር መልክዑ ምምሕዳር ከምዝግባእ ብምግንዛብ፤ መንግስቲ ነዚ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብጥላሁን ይልማን ሃና በየነን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment