ክልላት ኣብ ሓደ ፀሓይ ንዝግበር ተኸላ ፈልሲ ዝገብርኡ ምድላው ከምዝዛዘማ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ክልላት 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ሓደ ፀሓይ ንዝካየድ ተኸላ ፈልሲ ዝገብርኡ ምድላው ከምዝዛዘማ ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ናይ መትከሊ ቦታ ሓዊሱ ዓይነታትን መጠንን ፈልሲ ብምድላው ምዝዛሙ ኣብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ጋምቤላ ኡጁሉ ሉዋል ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ሓደ ፀሓይ ተኸላ ፈልሲ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ተዛዚሙ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ሓደ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ብምትካል ኣሰርና ነንብር ብምባል መልእኽቲ ምትሕልላፎም ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ስራሕቲ ምድላው ይዛዘሙ ኣለዉ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment