ክልላት ንዳግመ ህንፀት ክልል ትግራይ ዝኸውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ንዳግመ ህንፀት ክልል ትግራይ ዝኸውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይረን።

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን÷ “በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ህዝቢታት ሰለስቲአን ክልላት  ብሓበራዊ ልምዓት ንምኽሓስ ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ 30 ትራክተራትን ቀረብ ምሩፅ ዘርኢን ንክልል ትግራይ ሓገዝ ከምዝገብር ብምሕባር÷ ሓንቲ ዘበናዊት ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ እውን ቃል ኣቲዮም።

ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ዘለዎ ንምክፋል ድሉው ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ “ብሓፈሻ 1 ቢሊየን ብር ዝኸውን ተሳትፎ ልምዓት ክንገብር ኢና” ኢሎም።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ክልል ትግራይ መሊስካ ንምጥያሽ ሓደ ጣቢያ ጥዕናን ሓደ ቤት ትምህርቲን ምህናፅ ሓዊሱ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክሳብ 500 ሚሊየን ብር ዝበፅሕ ሓገዝ ከምዝግበር ተዛሪበን።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ ÷ “ምሕዝነትና ንምርኣይ ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህቲ መሊስካ ንምህናፅ ዝውዕል 20 ሚሊየን ብር ሓገዝ ክንገብር ኢና” ኢሎም።

ክልል ጋምቤላ 10 ሚሊየን ብር፣ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ 10 ሚሊየን ብር፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ 15 ሚሊየን ብር፣ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ 10 ሚሊየን ብር፣ ክልል ደቡብ 1 ሺሕን 500 ኩንታል እታወት ዘርኢን መሳርሒታት ሕርሻን ሓዊሱ 20 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዓይነትን 30 ሚሊየን ብር ገንዘባዊ ድጋፍን፣ ክልል ሶማሌ 20 ሚሊየን ብር ገንዘባዊ ሓገዝን 10 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ዓይነትን ከምዝገብሩ፣  ክልል ሃረሪ እውን ኣብ ቀዳማይ ዙር 10 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብ ከምዝገብሩ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ፓርቲ ብልፅግና ብግድኡ÷ 20 ሚሊየን ብር ሓገዝ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment