ኬፕ ቨርዴ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 34 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ኬፕ ቨርዴ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኬፕ ቨርዴ ንሞዛምቢክ 3 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ፡፡

እተን ሸቶታት ድማ÷ ቤቤ፣ ሜንዴስን ሌኒኒን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርዴ ንጋና 2 ን 1 ምስዓራ ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኬፕ ቨርዴ 6 ነጥቢ ብመሓዝ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን ክኢላ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment