ኬንያ ንኣልሸባብ ይምውሉ’ዮም ናይ ዝበለቶም 9 ዜጋታታ ንብረት ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኬንያ ንኣልሸባብ ይምውሉ’ዮም ኢላ ናይ ዝኸሰሰቶም ትሽዓተ ሰባት ርእሰ ማሎም ከምዝኣገደት ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ሃገራዊ ፀጥታ ኬንያ፥ እቲ ስጉምቲ ኣካል ናይ’ቲ ኣንፃር ግብረራዕዲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምዃኑ ብምግላፅ ካብ ውሽጢ ኬንያ ክፍልፍል ዝኽእል  ግብረራዕዲ ንምቑፃይ ተባሂሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊፁ።

ሚኒስትር ፍሬድ ማትያንጊ እቲ እገዳ ርእሰ ማል ናይ ትሽዓተ ኬንያውያን “ብድሕሪ ሐዚ ኣብ ውሽጢ ዶባትና ኮይኑ ንኣልሸባብ ዝምውል ኣካል ከምዘይህሉ ንምርግጋፅ ዝወሰድናዮ እዩ” ኢሉ።

እቲ ሚኒስትር ኣልሸባብ ሰባት ብምኽታብ ኣብዚ ዞባ ክተኽሎ ዝደሊ ተግባራት ግብረራዕዲን ሕሉፉነትን ሰባት ክጥንቀቕሉ ከምዘለዎም ምዒዱ።

ኬንያ ሰራዊታ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2011 ናብ ሶማልያ ካብ እተወፍር ንድሓር፥ ብኣልሸባብ ብዙሕ ግዜ መጥቃዕቲ ከምዝበፅሓ ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment