ኬንያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2027 ጀሚራ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምጅማር ከምዝሃቀነት ተገሊፁ፡፡

እቲ ትልሚ÷ ምስ ምውሳኽ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ተተሓሒዙ ካብ ብኽለት ኣየር ናፃ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዘድለየ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ተጠባባቒ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኤጀንሲ ሓይሊ ኒውክሌር ኢነርጂን እታ ሃገር ጀስተስ ዋቡያቦ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ኤጀንሲ ህንፀቱ ክጅምር ዝሓሰቦ ኣብ ኪሊፊ ወይ ድማ ኣብ ኩዋሌ ኢዩ፡፡

ኬንያ ካብ ክልቲኡ ኣብ ሓዲኡ ከባቢ ህንፀት መማዕበሊ ኒውክሌር ንምጅማር ሓሲባቶ ዘላ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2021 ካብ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ፍቓድ ሓቲታ ተቐባልነት ብምርካባ ከምዝኾነ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ፀብፂቡ፡፡

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ትንምክያድ ዓለም ለኸ ጨረታ ከምተውፅእ እውን ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment