ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና-ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ገሊፆም።

ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝዘለቐ ፅኑዕ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ  ክልቲአን ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪካ ኣርኣያ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኬኒያ ንዘሎዉ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ መለስ ኣለም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምቕባል ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ኢዮም ከምዚ ኢሎም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ብፍላይ ድማ ኣብ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ ኣብ ቀጠናዊ ውህደት ፕሮጀክትታትን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዘለወን ምትእስሳር ዝበለፀ ምጥንኻሩ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ናይ ኬኒያ ሓቃዊት ፈታዊት ኢያ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኬኒያ እውን ኢትዮጵያ ፀገም ኣብ ዘጋጠማ እዋን ከም ቀደማ ኣብ ጎና ደው ክምእትብል ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment