ኬሚካል ነፀግቲ ኣውሮፕላናት ተወሳኺ ኣገልግሎት ንኽህባ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስቴር ሕርሻ ንነፀጋ ኬሚካል ክውዕላ ዝተዓደጋ 5 ኣውሮፕላናት ተወሳኺ ኣገልግሎት ምሃብ ንኽኽእላ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻን ናሽናል ኤርዌይስን ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

እተን ኣውሮፕላናት ካብ ዘለወን ልዑል ዓቕሚ ኣብ ዝህልወን ትርፊ እዋን ተወሳኺ ኣታዊ ከምፅእ ዝኽእል ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ክሰርሓ ዝኽእላሉ ኩነታት ምምችቻው ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ንምምሕዳር እተን ኣውሮፕላናት በቢዓመቱ መንግስቲ ዘውፀኦ ፅዕንቶ ወፃኢ ብምንካይ ንቀፃነት እቲ ፕሮጀክት እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኣገልግሎት ምምሕዳር እተን ኣውሮፕላናት እናሃ ምስ ዝርከብ ናሽናል ኤርዌይስ ብምትሕብባር እተን ኣውሮፕላናት ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣትዉሉ ኩነታት ተፈራሪሙ፡፡

መካየዲ ስራሕ ናሽናል ኤርዌይስ ኣይተ ገዛሀኝ ብሩ÷ እተን ኣውሮፕላናት ኣብ ትርፊ ግዜአን ተወሳኺ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ክሰርሓ ብምግባር ናይባዕለን ኣታዊ ንኸፈልፍላ ምምሕዳር የድሊ ምባሎም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እተን ኣውሮፕላናት ካብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ንዝመፅኡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ማለት እውን ንኣለሻ መዓድን፣ ንሰርቪላንስን መሰል ስራሕቲን ናሽናል ኤርዌይስ ኣገልግሎት ኪራይ ከምዝህብ ተዛሪቦም፡፡

ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ መካየዲ ስራሕ ዘፈር ቀረብ ምሩፅ ዘርኢን ውፅኢታት ደኒን ኣይተ ዘነበ ወ/ስላሴ ብግደኦም÷ በቢእዋኑ ብመልክዕ ለበዳ ኣብ ዝራእቲ ዘጋጥም ልዑል ጉድኣት ዘብፀሕ ኣንበጣ በረኻ፣ ባርኖስን ካልኦት ስሩዓትን ዘይስሩዓትን ባልዓት ንምክልኻልን ንምቀቁፅፃርን ዘኽእሉ ኣውሮፕላናት ካብ መንግስቲ ብዝተገበረ ሓገዝ ተዓዲገን ኣብ ስራሕ ከምዝርከባ ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment