ኬልያን ኤምባፔ ሪያል ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ኬልያን ኤምባፔ ብናነፃ ዝውውር ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ፡፡

ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴን ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ዝነበሮ ውዕሊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 30 ሰነ 2024 ዝዛዘም ኤምባፔ÷ ብሓሙሽተ ዓመት ኩንትራት ኢዩ ሻምፒዮና ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓን ላሊጋን ናብ ዝኾነት ማድሪድ ተፀምቢሩ ዘሎ፡፡

ቅድም ክብል ብቓል ደረጃ ናብ ማድሪድ ከምዝፅምበር ዝገለፀ ኤምባፔ ምስ ፒ ኤስ ጂ ዘለዎ ውዕሊ ምስተዛዘመ መስኮት ዝውውር ላሊጋ እንትኽፈት ናብ ስፔን ከምርሕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሪያል ማድሪድ ብዛዕባ ኮንትራት እቲ ተፃዋታይ ብዝምልከት ኣብ ቀፃሊ ሰሙን መግለፂ ክትህብ ኢያ ዝተብሃለ እንትኸውን÷ እቲ ተፃዋታይ ድሕሪ ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ዩሮ 2024 ኣቐዲሙ ናብ ቤርናቢዩ ንምምፃእ ከምዝተሓሰበ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment