ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ፅዕንቶ ዕዳ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝንኪን ካፒታሉ ክብ ዘብልን ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ፡፡
ኣብቲ ባይቶ ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)÷ ትካላት ልምዓት ካብ ባንኪ ንግዲ ዝወሰዱዎ ልቓሕ ብዘይምምላሶምን ናይ ልቓሕ ወለድ ኣዚዩ ክብ ብምባሉን ኣብ ልዕሊ እቲ ባንኪ ፅንቶ ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ባንኪ ዋና ትካል እዛ ሃገር ብምዃኑ 900 ቢሊየን ብር ሰነድ ዕዳ መንግስቲ ኮይኑ ንኽኽፈልን መበገሲ ካፒታሉ እውን ሓፍ ንኽብል ኣብ ውሳነ ከምዝተበፅሐ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት፡፡
ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዘተ ድሕሪ ምግባር ረቂቕ ኣዋጅ ሰነድ ዕዳ መንግስቲ ቁፅሪ 1346/2017 ብምዃን ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ፡፡