ካውንስል ፅሬት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካውንስል ፅሬት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጣይሹ።

እቲ ካውንስል ፅሬቱ ዝሓለወ ቀፃልነት ዘለዎ ባህሊ ፅሬት ንኽፍጠር ምግባር ዘኽእል ዘይሻራዊ ካውንስል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ንምርምር ብቑዓት ዝኾኑ ተመራመርቲ ምፍራይ፣ ብብቕዓትን ፅሬት ዝምርሑ ኣመራርሓታትን ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ህይወት ክልውጡ ዝኽእሉን ተበፃሕነትን ፍትሓዊ ዝኾነ ፅሬት ትምህርቲ ዝሕሉ ካውንስል ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ማሕበራት ሙያ ኢትዮጵያ ዶክተር ቢቂላ ወርቅነህ፥ 20 30 ካብ ኣፍሪካ ፍሉጥ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ካውንስል ንምግባር ክስራሕ ኢዩ ኢለን፡፡

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ብግደኦም፥ ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበሉ ተምሃሮን ተደለይቲ ሰብ ሞያን ምፍራይ ይግባእ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጄንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ዶክተር ጂማ ዲቦ፥ ሰርተፊኬት ፅሬት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሂበን።

እቲ ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መርሃግብሪ ምስረታ፥ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ብሰላም ተስፋዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment