ካውንስል መራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ ማዕኸናት ሚዲያ እታ ሃገር ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንከይፅብፅቡ ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካውስል መራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ማዕኸናት ሚዲያ እታ ሃገር ንከይፅብፅቡ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እቲ ካውንስል ኣብ ግብፂ ብዛዕባ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮናን ግብፂ ምስ ሊቢያ ብዛዕባ እትገብሮ ዘሎ ኲናትን ምንም ዓይነት ፀብፃብ ንከይሰርሑ እውን ኣጊዱ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝተመሓላለፈ እገዳ መራኸብቲ ሓፋሽን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያን መንግስቲ ካብ ዝህቦ ኣንፈት ወፃእ ብዛዕባ ህዳሰ ግድብ ዝኾነ ይኹን ዘገባ ወይ ዘተ ንክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሚዲያታት ሕትመት ትሕዝቶኦም ቅድሚ ምሕታሞም ብዝምልከቶ ኣካል ከገምግሙን ሕቶኦም ብፅሑፍ ብምቕራብ ፍቓድ ምርካብ ከምዝግበኦምን እውን ተገሊፁ።

እታ ሃገር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ብዝብል ሽፋን ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ www.middleeasteye.net

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment