ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት 135 ሚሊየን ብር ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ልዕሊ 227 ሺሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት 135 ሚሊየን ብር ዕላዊ ገይራ።

እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኦሮሚያን ብምኽንያት ፀገም ፀፅታን ኲናትን ጉድኣት ንዝበፅሖም ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ንምጥያሽን ዝውዕል ፕሮጀክት ኢያ ዕላዊ ገይራ ዘላ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣባ ተሾመ ፍቅሬ ነቲ ፕሮጀክት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓትን ሓገዝን እናሰርሐት ምፅናሓ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ ፕሮጀክት፥ ንፀገም ዝተቃልዑ ወገናትን ተመዛበልቲን ተቐቢሎም ዘተኣናግዱ ማሕበረሰባት ኩነታት ናብረኦም ብመሰረታዊ ቀረብ ሓገዝ ንኽሕገዝ ዝግበር ከምዝኾ እውን ኣንሪሆም።

ብቅድስት ኣባተ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment