ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ብድጂታል መልክዑ ትምህርቲ ንመሃብ ከምዝተለመ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ካብ ወረቐት ናፃ ዝኾነ ብድጂታል መልክዑ ትምህርቲ ንመሃብ ከምዝተለመ ኣፍሊጡ።

ኣብ በቢብርኩ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ፤ ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዓውዲ ትምህርቲ ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ ትልሚ ተግባራዊ እንትኸውን ድማ መንግስቲ ንወረቐትን ሕትመትን ዘውፀኦ ልዑል ወፃኢ ዘትርፍ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ተምሃሮ ብቐሊሉ ምስ ዲጂታል ዓለም ክፋለጡ ከምዝሕግዞም ኢዩ ዝተገለፀ።

ዓውዲ ትምህርቲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዘይምሕጋዝ፣ ፍትሓዊ ተበፃሕነት ትምህርቲ ዘይምህላው፣ ግልፅነትን ተሓታትንትን ዘይምዕሳሉ ኣብ ልዕሊ ፅሬት ትምህርቲ ፅዕንቶ ፈጢሩ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተሓገዝ ትምህርቲ ብመሃብ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳርን ብቑዕን ዜጋ ንምፋይ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ኣብ ውሽጢ እቲ ትልሚ ከምዝተኻተቱ እውን ተገሊፁ።

ናብ ስርዓት ዲጂታል ንምእታው ንተምሃሮ ታብሌታት ንምምላእ፥ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት እናተኣላለሹ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዘፈር ትምህርቲ፥ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ርኡይ ለውጢ ከምፅእ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment