ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ዘለዉ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ኣብ ዘለዉ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ከምዝተገበረ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ሰሙን መርሃግብሪ ፀወታታት ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ምስተኻዱ፤ ብምኽንያት መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ተቛሪፁ ይርከብ።

ኣብዚ ዓመት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ከተማ ወልቂጤ ካብቲ ውድድር ምስራዛ ስዒቡ ብ18 ተሳተፍቲ ጋንታታት እናተኻየደ እንትኸውን÷ ካብ 4ይ ሰሙን ንደሓር ዘሎ መርሃ-ግብሪ ምትዕርራይ ከምዝተገበረሉ ሓበሬታ እቲ ማሕበር ኣክሲዮን የመላኽት፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ 5ይ ሰሙን ወፃእ ረፋድ ሰዓት 3፡30 ዝግበር ፀወታ ከምዘይህሉ እቲ ሊግ ኣፍሊጡ፡፡

ብተመሳሳሊ ካብ 5ይ ሰሙን ወፃእ ኣብ ዘለዉ ዝተረፉ መርሃ ግብሪታት÷ ኣብ ሰሙን ክልተ ዝዓርፋ ጋንታታት ከምዝህልዋ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment