ካብ 2010 ክሳብ 2015 ዓ.ም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝሓዘ መፅሓፍ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 2010 ክሳብ 2015 ዓ.ም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝሓዘ መፅሓፍ ዕላዊ ኮይኑ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝመርሕዎ ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልታት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቁልፊ ዝኾኑ ሴክተራት ብዕምቆት ብምርኣይ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መፅሓፍ ኣብቶም ዓመታት ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ፖሊሲ ብዝርዝር ዝገልፅ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ገምጋም ካብ 2010 ክሳብ 2015 ዓ.ም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝሓዘ መፅሓፍ ዕላዊ ኮይኑ።

ክፍሊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝዓሞም ተግባራት ስነዳ ሓደ ዝኾነ እቲ መፅሓፍ፥ ንታሪክ ስነዳን መረዳእታን ንዝደሊዩ ዝረብሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሎሚ ዕላዊ ዝኾነ መፅሓፍ ውሱን ቅዳሓት ንትካላት ፌዴራልን ክልላትን ዝውዛዕ እንትኸውን፥ እቲ መረዳእታ ንዝደሊዩ ኩሎም ድማ ኣብ ድረ ገፅ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝፀዓን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment