ካብ 19 ሚሊየን ብር ንላዕሊ ግምት ዘለዎ ወታደራዊ ዕጥቂ ንመከላከያ ሰራዊት ድጋፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣  19 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ መከላከያ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ኮርፖሬሽን ካብ 19 ሚሊየን ብር ንላዕሊ ግምት ዘለዎ ወታደራዊ ዕጥቂ ንመከላከያ ሰራዊት ድጋፍ ገይሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኮርፖሬሽን ሜጀር ጄኔራል ኣሕመድ ሃምዛ፥ እቲ ወታደራዊ ዕጥቂ ንመከላከያ ሕብረት ሎጂስቲክስ ዋና መምሪያ ሓላፊ ተወካሊን ናይ መከላከያ ድጋፍ ኣተኣኻኻቢ ኮሚቴ ሰብሳቢን ብርጋዴር ጄኔራል ኣስረስ ኣያሌው ኣረኪቦም።

እቲ ድጋፍ ሰራዊት ወፍሪ ምኽባር ህልውና ብብቕዓት ምውፃእ ንክኽእል ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዘጋጥምዋ ፈተናታት ሓንቲ ጊዘ ብርካ ዓፂፋ ኣይትፈልጥን ዝበሉ ሜጀር ጄኔራል አህመድ ሀምዛ፥ ካብ ውሽጢ ይኹን ደገ ዘንፀላለዋ ፈተና ብዓወት ክትሻገሮ ኢያ ኢሎም ከብል ኢፕድ ዘጊቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment