ካብ 10 መጋቢት ጀሚሩ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምሃብ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ሓዱሽ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምሃብ ከምዝጅምር ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ዜግነትን ወሳኒ ኹነትን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ሙጂብ ጀማል ከምዝገለፁዎ፥ ቅድሚ ሕዚ ሓዱሽ ፓስፖርት ንምውፃእ ልዕሊ ክልተ ወርሒን 15 መዓልቲን ይወስድ ዝነበረ ሕዚ ናብ ሓደ ወርሒ ንኸወርድ ተወሲኑ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ፥ ህፁፅ ፓስፖርት ንምውፃእ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ጥራሕ ክወስድ ከምዝኽእል እውን ተዛሪቦም።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ብሕፅረ ፓስፖርት ወረቐት ምኽንያት መውሃቢ ግዘ ሓዱሽ ፓስፖርት ካብ ሓደ ወርሒ ናብ ክልተ ወርሒን 15 መዓልቲን ክናዋሕ ከምዝተገበረ ይዝከር።

እቲ ኤጀንሲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 270 ክሳብ 300 ሺሕ ፓስፖርት ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብ ቀፃሊ 500 ሺሕ ፓስፖርት ንምእታው ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓዱሽ ፓስፖርት ንምውፃእ ተመዝጊቦም ካብ ክልተ ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝኾኖም 90 ሺሕ ተገልገልቲ ውፅኢት እናተፀበዩ ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ኤጀንሲ ተመሳሰልቲ ፀገማት ንምውጋድ ካብ ዝቕፅል 10 መጋቢት ጀሚሩ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዝገብር ገሊፆም።

ህፁፅ ፓስፖርት እናውፅኡ ዝነበሩ ሰባት ወሰኽ ገንዘብ ተገይሩልና ኢዩ ብዝብል ቅርታ እናስምዑ ከምዝነበሩ ዝገለፁ ኣይተ ሙጂብ፥ ብምኽንያት ሕፅረት ወረቐት ዝተፈጠረ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment