ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ልዕሊ 907 ነጥቢ 56 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ኣታዊ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ልዕሊ 169 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ጀርመን፣ ስዑድ ዓረብ፣ ኣሜሪካ፣ ኬንያ፣ ብሪታኒያ፣ ቻይና፣ ህንዲን ካልኦት ሃገራትን እቶም ፍርያታት ዝተለኣኸለን ሃገራት ከምዝኾና ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዕዳጋን ፕሮሞሽንን እቲ በዓል መዚ ካሳሁን ገለታ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝተረፉ ሰለስተኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ብፅሬትን በዝሒን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ብምቕራብ ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝሰርሕ ኣመልኪቶም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube