ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ን35 ሺሕ መናእሰይ ኣብ ኢትዮጵያዊ ምትሕብባርን ሓድነትን ዘድሃበ ስልጠና ክወሃቦም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ን35 ሺሕ መናእሰይ ኣብ ኢትዮጵያዊ ምትሕብባርን ሓድነትን ዘድሃበ ስልጠና ከምዝወሃብ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።

ንኣመራርሓታት ኣባላት ቀዋሚ ቆሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ስልጠና እናተውሃበ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ እተን ሚኒስትር፥ ሓድነትን ምትሕብባርን ኢትጵያውያን ንምድንፋዕ ዝሕግዙ መናእሰይ ስልጠና ክወሃቦም ኢዩ ኢለን።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመረቑ 35 ሺሕ መናእሰይ፤ ኣብ 22 ዩኒቨርሲቲታት ናብ ዝተዳለዋ ማእኸላት መስልጠኒ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ከምዝኣትዉ ገሊፀን።

ን45 መዓልቲታት ስልጠና ምስ ወሰዱ እውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብምውፋር ን10 ኣዋርሕ ንማሕበረሰብ ግልጋሎት ወለንታ ክህቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ዝተጀመረ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ ካብ ሞንጎ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣብ መናእሰይ ትኹረት ዝገበረ ስራሕ ምስራሕ ሓደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቅድም ክብል ፈታዊ ሃገሩን ምኽያታዊን ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ምህናፅ ዓቢዪ ጉድለት ከምዝነበረ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ መናእሰይ ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ተፈጥሮኣዊን ማሕበራዊን እሴታት ብግቡእ ተገንዚቦም ኣብ ሓበራዊ ህንፀት ሃገር ተሓባቢሮም ደው ክብሉ ከምዝግበኦም ኣተሓሳሲበን።

እዚ ንምምዕባል ድማ መሰረታዊ ስልጠና ምሃብ ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበን ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ስርዓተ ትምህርቲ ተኣሳሲሩ ዝወሃበሉ ኩነታት ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝኾነን ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment