“ካብ ጳጉሜን ክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተጀመረ ሃገር ለኸ ወፍሪ ድሕንነት መገዲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ በባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ካብ ጳጉሜን ክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተጀመረ ሃገር ለኸ ወፍሪ ድሕንነት መገዲ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ፍሪ ዝተረኸባ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ “እዛ መዓልቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ትራንስፖርትን ዘለና ግንዛበን ኣካይዳን ለውጢ ንጅምረሉን ረብሓ ዜጋታት ከዕቢ ኢዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ብሰፊሑ ናብ ስራሕ ነኣትወላ ኢያ” ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ተሽከርከርቲ ቁፅረን ትሑት ይኹን እምበር ኣብ ስርዓት ትራንስፖርት ልዑል ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝረከብ ገሊፀን።

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር እናወሰኸ ዝመፅአ ድሌት ምንቅስቓስ ኣብ ምስትእንጋድ፥ ቀረብን ድሌትን ትራንስፖርት ዘይምጥዕዓም፣ ካብ ትራንስፖርት ሓፋሽ ንላዕሊ ቁፅሪ ኣናእሽተይ መኻይን ምውሳኽ፣ ስርዓት ትራንስፖርት ምስ ኣጠቓቕማ መሬት ዘይምጥዕዓምን ከም ማሕለኻ ዝፅርሑ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣገንዚበን።

መገዲታት እንትህነፁ ኣብ መገዲ መኪና ትኹረት ኣናተገበረ ከምዝነበረ ዝገለፃ ወይዘሮ ዳግዊት፥ መገዲ እንትህነፅ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ንኽህብ ተሓሲቡ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘዳለዎ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ካብ ዝተትሓዙ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ስትራቴጂታት፥ መገዲ እግረኛታት ምምሕያሽ፣ መገዲታት ብሽክሌታ ምምሕያሽ፣ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ተበፃሒ ዝገብር ኣገልግሎት ምጥንኻርን ኣጠቓቕማ መሬት ምምሕየሽን ከምዝርከቡዎ ገሊፀን።

እቲ ትልሚ ኣብ ተግባር ንምውዓል ድማ ምስ ሕብረት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ኣብሪሀን።

እዚ እንትኸውን ዝህልዎ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ከባቢያዊን ረብሓ ዕዙዝ ከምዝኾነ ወይዘሮ ዳግማዊት ተዛሪበን።

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment