ካብ ጣቢያ መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ ሑመራ ዝርከብ ማእኸላይን ታሕተዋይን ፅገና መስመር ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሑመራ ዝረኽባ ከተማታት ሑመራ፣ ዳንሻ፣ ባዕኸር፣ ማይካድራ፣ ዓብደርራፊዕ፣ ኣብርሃጅራ፣ ሶሮቓ፣ ዓዲጎሹ፣ ዓዲረመፅ ማእኸላይን ታሕተዋይን ፅገና መስመር ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ስራሕቲ ፅገነና ማእኸላይን ትሑትን መስመር ሽረ፣ ሑመራ፣ ወልቃይትና ከባቢኡን ኣቐዲሙ ስለዝተዛዘመ÷ ካብ ተከዜ ዝተዘገሐ ልዑል መመሓላለፊ መስመር ተሳሊጡ ትማሊ ምሸት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት መሊስካ  ንምርኻብ ፈተነ ከምዝተገበረ ይፍለጥ፡፡

ይኹን እምበር ኣብቲ ልዑል ሓይሊ መተሓላለፊ ትራንስሚሽን ዘጋጠመ ምብልሻው ሙሉእ ብሙሉእ ስለዘይተፈትሐ እቲ ከባቢ ምሸት ምርኻብ ከምዘይከኣለ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብምዃኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ፅገንኡ ብቕልጡፍ ንኽዛዝም ብሓባር እነተሰርሀ ከምዝኾነ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment