ካብ ጎዳጉዲ ኣቃቂ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማይ ሒዙ ዝመፅእ 800 ሚሊ ሊትሮ ዓቢዪ መስመር ማይ ሓደጋ ምስባር ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብበዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ካብ ጎዳጉዲ ኣቃቂ ናብ ከተማ 800 ሚሊ ሊትሮ ማይ ሒዙ ዝመፅእ ዝነበረ ዓቢዪ መስመር ማይ ሓደጋ ምስባር ከምዘጋጠሞ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ምስባር ትማሊ ምሸት ኣብ ከባቢ ሃይሌ ጋርመንት ቀፅሪ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ብምኽንያት ህንፀት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ፅገና ንምግባር ርብርብ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከባቢታት ኣለም ባንክ፣ ቤቴል፣ ኣየር ጤና፣ ከባቢ ጀሞ ብኽፋል፣ ኣንፎ ቀራኒዮ፣ ጦርሃይሎች፣ ልደታ መሊስካ ምልማዕ፣ ሳር ቤት፣ ሜክሲኮ፣ ጀሞ ሚካኤል፣ ኣደባባይ ጀርመን ኣገልግሎት ማይ ተቛሪፁ ኣሎ፡፡

ባለስልጣኑ የተሰበረውን ከፍተኛ የውሃ መስመር በአጭር ጊዜ ለመጠገን ከፍተኛ ጥረት እየተደረገ ሲሆን፤ በዚህ አጋጣሚ በተጠቀሱት አከባቢዎች እስከ አርብ ስርጭቱን ይቆራረጣል።

ኣብቶም ዝተፀርሑ ከባቢታት ሕፅረት ማይ ከጋጥም ስለዝኽእልን ፅገንኡ ክሳብ ዓርቢ ክፀንሕ ስለዝኽእልን ዓማዊል እቲ ፀገም ተረዲኦም ንኽዕገሱ እቲ በዓል መዚ ሓቲቱ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment