ካብ ግዕዝይና ዝፀረየት ሃገር ንምፍጣርን ግዕዝይና ንምክልኻልን ህዝብን መንግስቲን ብሕብረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ግዕዝይና ዝፀረየት ሃገር ንምፍጣርን ግዕዝይና ንምክልኻልን ህዝብን መንግስቲን ብሕብረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ግዕዝይና ኣብ ሃገርና ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉደይ ገበን እንትኸውን፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፀ ገበን እዩ፡፡

ግዕዝይና ኣብዚ ሐዚ እዋን ስግኣት ሃገርና ብምዃኑ ናብ ምዕባለ እንገብሮ ጉዕዞ እግርን ኢድን ኣሲሩ ንምሓዝ ይፍታተን ከምዘሎ እውን ይግለፅለ፡፡

ነዚ ሲዒቡ ድማ ናብ ግዕዝይና ዝወስዱ ጉዳያት ብምቅላስ፤ ዝማዕበለትን ካብ ግዕዝይና ዝፀረየት ሃገርን ንምፍጣር ግዕዝይና ካብ ስሩ ክመሓው ከምዘለዎ ምስ ጣብያና ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ፀረ-ግዕዝይናን ስነ ምግባርን ፌዴራል ዋና ፈፃሚ ሰራሕ ሰብ ጉዳይ፤ ኣይተ ሓረጎት ኣብርሃ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣይተ ሓረጎት፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሕድሮ ፅልዋ ከቢድ ምስቲ ምዃኑ፤ መንግስቲ ካብዚ ሐዚ ዝገብሮ ዘሎ ቁፅፅርን ኽትትልን ብዝበለፀ ኣሐይሉ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብምሕረት ለኣከ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment