ካብ ዳንሻ ክሳብ ዓድዋ ኣብ ዝነበረ ኲናት ሓይሊ ጁንታ ልዑል ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራ በፂሑዎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ግንባር ሰሜን ምዕራብ ካብ ዳንሻ ክሳብ ዓድዋ ኣብ ዝነበረ ኲናት ሓይሊ ጁንታ ልዑል ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራ በፂሑዎ።

ኣብቲ ዓውደ ኲናት ልዕሊ 10 ሺሕ ሓይሊ ጁንታ ከምዝተደምሰሱን ልዕሊ 15 ሺሕ ናይ ሕድሕድ፣ ጉጅለን ከበድቲ መሳርሒታት ኲናትን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣተሓባባሪ ሚዲያ እቲ ግንባር ኮሎኔል ኣባተ ንጋቱ ኣፍሊጦም።

ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር 6 ሺሕ ኪሎ ሜትራት ብእግሩ ብምኻድን ብተሽከርከርቲ 24 ሰዓታት ተጓዒዙን ነቲ ዓወት ከምዝረኸበ እውን ሓቢሮም።

ጁንታ ህወሓት ተቛፃፂርናዮም ዝበሎም ልዑላት መኽዝናት ኣፅዋርን ክሳብ ኣርባዕተ ዙር ዝሃነፆም ከበድቲ ድፋዓትን ካብ 20 ደቒቓ ብዘይበለፀ ጊዘ ብዝተገበሩ ኲናታት ከምዝተደምሰሱ ተዛሪቦም።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት እቲ ጁንታ ኢዶም ከምዝሃቡ እውን ገሊፆም።

ከተማ ሽረ ሓሊፍካ ኣብ ዘሎ በለስ ዝተብሃለ ከባቢ ብኣርባዕተ ዙር ተኳዒቱ ዝነበረ ድፋዕ እቲ ጁንታ ኣመራርሓ እቲ ጁንታ ደብረፅዮንን ስብሀት ነጋን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም መሪቐሙዎ ከምዝነበሩን ሰራዊቶም ንምንቕቓሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ክንቀብሮ ኢና ኢሎም እንተተዛረቡ እውን እንትምክሑሉ ዝነበረ ድፋዕ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ተደምሲሱ ኢዩ ምባሎም ኣብመድ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment