ካብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 39 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 39 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ከምዝቐረበ በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ሕርሻን በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ፌዴራልን ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ተረኺቦም ስራሕቲ ምሕዳስ ቡን ተዓዚቦም፡፡

ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን እቲ ክልል ኣይተ ኣስራት መኩሪያ፥ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ቡን፣ ቅመማ ቅመምን ሻይን ንምፍራይ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ክልል 541 ሺሕ 141 ሄክታር ቡን ከፍሪ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ 300 ሺሕ ሄክታር ዝኸውን ብቡና ዝተሸፈነ ከምዝኾ ሓቢሮም።

ኣብዚ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 61 ሺሕን 864 ቶን ፍርያት ቡን ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ንምቕራብ ተሓሲቡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 39 ሺሕ ቶን ናብ ዕዳጋ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።

ብተስፋየ ምሬሳ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment