ካብ ደረጃ ንታሕቲ ዝኾኑ ፍርያታት ናብ ውሽጢ ሃገር ከየኣትዉ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ደረጃ ንታሕቲ ዝኾኑ ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሜትሪክ ቶን ፍርያታት ናብ ውሽጢ ሃገር ከየኣትዉ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ከምዝገለፆ፥ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣገዳዲ ደረጃ ዝወፅአሎም ኣተውቲ ፍርያታት ኣብ ዘካየዶ ቁፅፅር ፅሬት እቶም ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሜትሪክ ቶን ፍርያታት ትሕቲ ደረጃ ብምዃኖም ናብ ውሽጢ ዓዲ ንኸየኣትዉ ተገይሩ ኢዩ።

ካብ ውሽጢ እቶም ዝተኣገዱ ፍርያታት 2 ሺሕን 304 ሜትሪክ ቶን ዝኾኑ ዝተጠቕለሉ ሓፂናት፣ 28 ነጥቢ 7 ሜትሪክ ቶን መኽደኒ ገዛ ቆርቆሮ፣ 180 ካርቶን ሳሙና፣ 142 ካርቶን ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ላምባዲና፣ 150 ካርቶን ገመድ ኤሌክትሪክ፣ ከምኡ እውን 43 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ጥረ ኣቑሑት መስርሒ ቆርቆሮ ይርከቡዎ።

ብተወሳኺ 272 ዝተጠቕለለ ሓፂን ኣርማታ፣ 19 ሺሕን 770 ጀሪካን ዘይቲ ብልዒ፣ 2 ሺሕን 934 ፍረ ቱቦ ማይ፣ 875 ካርቶን እምኒ ባትሪ፣ ከምኡ እውን ዝተዓሸጉ ምግቢታትን ካልኦትን ኣብቲ ቁፅፅር እዋን ትሕቲ ፅሬተት ኮይኖም ስለ ዝተረኸቡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከየኣትዉ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ከስዕቡዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ጥዕናን ድሕንነትን ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment