ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንመህነፂ ማእኸል ባህሊ ኣምሓራ ዝኸውን 42 ሺሕን 200 ካሬ ሜትሮ ቦታ ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣህምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣረኪበን።
እቲ ርኽክብ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምጅማር ማእኸል ባህሊ ኣምሓራ ኣብ ፓርክ ሓድነት ኣብ ዝተኻየደሉ ኢዩ፡፡
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝስርሑ ትካላት ልምዓት፥ ሰባት ተቐራሪቦም ንኽሰርሑ፣ ህዝቢታት ንኽቀራረቡን ኣብ ሓበራዊ ህንፀት ሃገር ጉልበት ከምዝኾኑን እተን ምክትል ከንቲባ ገሊፀን፡፡
ካብ ዝፈላለዩና ኣናእሽተይ ጉዳያት ንላዕሊ ሓደ ኣብ ዝገብሩና ኣእላፍ ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና” ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ነዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ልምዓትን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ንምግባር ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡
ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ብግደኦም፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ማእኸል ባህሊ ጋህዲ ንኽኸውን መህነፂ ቦታ ብመሃቡ ከምዘመስገኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!