ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተፈቐደሎም በጀት ንላዕሊ ዝተጠቐሙ 24 ትካላት ከምዝተረኸቡ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ኣፍሊጡ።
ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፥ 24 ቤት ዕዮታት ብፍሉይ ናይ ሒሳብ መደባት እንተየፍቀዱን በጀት እንተየዘዋወሩን ካብ ዝተመደበሎም በጀት ንላዕሊ ወፃኢ ዝኾነ ሒሳብ ከምዝተረኸበ ኣረጋጊፁ፡፡
ካብ ስሩዕ በጀት ልዕሊ 645 ሚሊየን 198 ሺሕ ብር ኮይኑ ከምዝተረኸበ ኣረጋጊፁ።
ብፍሉይ ናይ ሒሳብ መደባት ካብ ዝተፈቐደሎም በጀት ንላዕሊ ካብ ሞንጎ ዝተጠቐሙ ቤት ዕዮታት፥ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒካል ኢትዮጵያ፣ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሰዶ፣ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ፣ ዩኒቨርሲቲ ጋምቤላ፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤን ዩኒቨርሲቲ ሚዛን ቴፒን ተኻቲቶም።
እቶም ትካላት ኣብ ነናሕ ሒሳብ ኮዳቶም ካብ ዝተፈቐደ በጀት 10 ሚኢታዊ ንላዕሊ ዘይተጠቐሙ ጥራሕ ብምውሳድ፤ ብድምር ብር 21 ሚሊየን 12 ሺሕ ዘይተሰርሐሉ በጀት ከምዝተረኸበ ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።