ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ዝተፈላልለያ ሃገራት ዓለም ዝመፅኡ ዓበይቲ መሻኢኽ ኣብ ኣልነጃሺ ይዛተዩ ኣለዉ።
መስጊድ ነጃሺ ንመላእ ዓለም ንምልላይን መስሕብ ቱሪዝም ንምግባርን ዕላማ ኣብ ዝገበረ ሲምፖዚየም ዝሳተፉ ዓበይቲ መሻኢኽ ናብ ከተማ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ምእታዎም ይዝከር።
2 ጥሪ መሓመድ ኣልነጃሲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዝዕረፍላ ታሪካዊት ዕለት እያ።
ስለዝኾነ ነዛ ታሪካዊት ዕለት ንምዝካርን እዚ ቅዱስ ቦታ ንዓለም ንምፍላጥን ዝዓለመ ዑደት እውን ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ኣደም ዓብደልቃደርን ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሓጂ መሓመድ ካሕሳይን ሓዊሱ፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ወረዳታትን ከተማታትን ክልል ትግራይ፣ የመን፣ ሱዕዲ ዓረብ፣ ኢንዶኖሽያ፣ ቱርኪ ፣ ጆርዳን ዝመፅኡ እዮም።
ሸኽ ኣደም ዓብደልቃደር፥ መስጊድ ነጃሺ መስሕብ ቱሪዝም ንምግባርን ኣብ ዓለም ንምልላይን ዝዓለመ መድርኽ ዘተ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ሲምፖዚየም፥ ኣብ ታሪካዊ ኣመፃፅኣ መስጊድ ነጃሺን ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ዝጠመተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቡ።
ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃሞም ከም ዘበርክቱ እቶም ዑደተኛታት ኣገንዚቦም።
ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሞስሊም ማሕበረሰብ ሓበሻ ሙስሊም ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር እዚ ዕለት ወሳኒ እዩ አ ኢሎም።
እቶም መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህዋፅ ኣብቲ ታሪካዊ ቦታ ዝተረኸቡ ወገናት እቲ መስጊድ መስሕብ ቱሪዙም ንምግባር ዓሊሞም ዘተ የሳልጡ ኣለው።