ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ልዕሊ 14 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ከምዝከፋፈል ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ኣብ ጣቢያ ጉምሩክ ኣዳማ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ሸቐጣት ፅዒነን ጠጠተው ዝበላ ልዕሊ 700 ተሽከርከርቲ ሎሚ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ሕጊ ጉምሩክ ከምዝዛዘማ እቶም ሚኒስትር ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚዲያኦም ገሊፆም፡፡
እቲ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርበሉ ኩነታት ብምዝታይ ኣንፈት መፍትሒ ከምዝተቐመጠ እውን ሓቢሮም፡፡
በዚ መሰረት ኩነታት ዕዳጋ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ብናይ መንግስቲ ወፃኢ ዝተዓደገ ልዕሊ 14 ሚልየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ መላእ ሃገር ከምዝከፋፈል ኣብሪሆም፡፡