ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓበሬታ ቪሺንግ (Vshing) ብምፅዋድ ካብ ሞንጎ ዝፍፀሙ ዓይነታት መጥቃዕቲ ብድምፂ ፃውዒት ኣቢሉ ዝፍፀም ሓደ ናይ መጥቃዕቲ ዓይነት ኢዩ።
ኣጭበርበርቲ ሕጋዊ ኣካል መሲሎም ስልኪ ብምድዋል ናይ ውልቀ ሰባት ሓበሬታታት፣ ናይ ይሕለፍ-ቃላት፣ ቁፅሪታት ክሬዲት ካርድን ካልኦት መሰል ምስጢራዊ ሓበሬታታትን ንምስራቕ እዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ይጥቀሙ።
ናይዚ ዓይነት ምጭብርባር ብሓቀኛ ሰባት ወይ እውን ኣቐዲሙ ብዝተቐድሐ ሮቦ-ኮል (robocalls) ዝፍፀም ብምዃኑ፤ ካብ ዘይፈልጡዎ ኣካል ዝግበር ፃውዒት ስልኪ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ምቑጣብ ከምዝመዓድ ይብል ሓበሬታ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፡፡