‘ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ’ ብዝብል ርእሲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)’ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ’ ብዝብል ርእሲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ን10 መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ጠሚቱ እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸባ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ÷ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ብዘይምርዳእን ብዘይምፍላጥን ብዕዳ እናተፈተነት ምፅንሓ ብምግላፅ ሃፍቲ ሃገር ብምፍላጥ ናብ ምንዳ ምቕያር ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፀን።

ለውጢ ንምዕዋት፣ ዜጋታት ተጠቀምቲ ንምግባርን ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ንምርግጋፅን ብፍልጠትን ጥበብን ምትጋህ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ብፍላይ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃሚ ኣካል ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣብ ዘውፀአሉን ዝትግብረሉን እዋን ዝስተውዓሉ ክፍተታት ምፍላይ ከምኡ እውን ለውጢ ኣብ ምርግጋፅ ከይዲ ዝረአዩ ማሕለኻታት ክፈትሑ ከምዘለዎም ሓቢረን።

ሓላፍነት ትካላት ካብ ምስ ተሓታትነት ዝተኣሳሰረ ስርዓት ግምገማ ብምኽታል ፀገማት ናብ ዕድል ክቕየሩ ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ወፃእ ምስራሕ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትፅቢት ከምዝግበር ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment